Select a date and time slot to book an Appointment
Date Of Appointment
ፈላማይ መግለፂ ሓፈሻዊ ከይዲ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
-----------
“ረብሓ ትግራይ ሽካሉ ኣብ ትግራይ ብዝገበረ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ይርጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት (ካብ 25 ክሳብ 26 ታሕሳስ) ክካየድ ዝፀንሐ ፈላማይ ብሄራዊ ውድባዊ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ተዛዚሙ ኣሎ።
ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብዉዑይ፣ ድሙቅ ናይ መክፈቲ ስነ ስርዓት እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ፅምብል መክፈቲ ስነ ስርዓት ዕድመ ዝተገበረሎም ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ ሰብ ትግራይ ማለት እዉን፤ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቀሱ ዉድባት ፖሎቲካ፣ ተወካሊ መረፃ ቦርድ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሲቪክን ሲቪልን ማሕበራት፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ዩኒቨርሲታት፣ ኣክቲቪስታት፣ ወዘተ ተሪኺቦም፣ ብወከልቶም ኣቢሎም መግለፂ ሰናይ ትምኒቶም አመሓላሊፎም እዮም።
ታሕሳስ 25/04/2012 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ጉባኤተኛ ሰለሰተ መራሕቲ ጉባኤ ብምምራፅ ኣብ ፕሮግራም ምምያጥ ጀሚሩ። ኣብ 7 ዓበይቲ ጉጅለታት ዝተመደበ ጉባኤተኛ፤ ድሕሪ ዉዑይ ናይ ጉጅለን ሓበራዊን ምይይጥ ኣማስዩ ፕሮግራም እቲ ዉድብ ኣፅዲቅዎ እዩ። ዕለት 26/04/2012 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት ብጉጅለን ብሓባርን ግዜ ወሲዱ ብምምይያጥ ስሪት ናይቲ ዉድብ ብተመሳሳሊ ከፅድቖ ኪኢሉ እዩ። ድሕሪ ሰዓት ጉባኤተኛ ብሄራዊ መሪሕነትን ኣለይቲ ዉድብን መሪፁ። በዚ መሰረት ብሰለስተ ኣፈፀምቲ መረፃ እናተመርሐ 2 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 25 ብሄራዊ መሪሕነት፣ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዘላቶ 5 ኣለይቲ ዉድብ ብምምራፅ መፈፀምታ ረኺቡ።
ብሄራዊ መሪሕነት ድማ ብሰሪት እቲ ዉድብ ብዝተወሃቦ ስልጣን መራሕቲ እቲ ዉድብ ማለት እዉን፤ ኣቦ ወንበርን ምክትል ኣቦ ወንበርን እቲ ዉድብ ከምኡ እዉን ሓለፍቲ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ መሪፁን ኣፅዲቑን እዩ። በዚ መሰረት፥
ኣቦ ወንበር እቲ ዉድብ ኣይተ ሓያሉ ጎደፋይ
ምክትል ኣቦ ወንበር ኣይተ ኣሉላ ሃይሉ
ሓለፍቲ ክፍልታት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
1. ክፍሊ ርክብ ህዝብን ሚዲያን---ክንፈ ሓዱሽ
2. ክፍሊ ዉዳበን ዓቅሚ ህንፀትን: ዓብለሎም ገ/ሚካኤል መለስ
3. ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ርክብን ፖሎቲካ ዉድባትን: ሃይሉ ከበደ
4. ክፍሊ ማሕበረ ኢኮኖሚ: ጠዓመ ባራኺ
5. ክፍሊ ፖሎቲካዊ ጉዳያት: ተስፋኪሮስ ኣረፈ ሳህለ
6. ክፍሊ ሕግን ስነ መንግስትን: ተስፋኣለም በርሀ
7. ክፍሊ ፋይናንስ: ካሕሳይ ሃይሉ
8. ክፍሊ ጉዳያት መንነት: ወልደጊዮርግስ ገብረሂወት
9. ክፍሊ ምሕዝነት ህዝብታትን ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካን: ኪሮስ ሃይለስላሴ
10. ክፍሊ ስትራቴጂክ መፅናዕትን ምርምርን: ፀጋዝኣብ ሽሻየ
ኣብ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዝፀደቁ፣
• ፕሮግራም እቲ ዉድብ
• ስሪት ዉድብ
• ብሄራዊ መሪሕነት
• ኣላዩ ዉድብ
ናይ ሳወት ኣወዳድባ ብሓፂሩ
• ብሄራዊ ጉባኤ
• ኣለዪ ዉድብ
• ብሄራዊ መሪሕነት
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዘተኣታተዎም ሓደስቲ ስያመታት
• ብሄራዊ ጉባኤ: ጉባኤ
• ኣለዪ ዉድብ: ቁፅፅር ኮሚሽን
• ብሄራዊ መሪሕነት: ማእኸላይ ኮሚቴ
• ስሪት: ሕገ ደንቢ
• መራሕቲ ጉባኤ: ፕረዚድየም
“ረብሓ ትግራይ ሽካሉ ኣብ ትግራይ ብዝገበረ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ይርጋገፅ”
27 ታሕሳስ 2012
መቐለ፣ ትግራይ
View more on Facebook
We appreciate you contacting us. Our support will get back in touch with you soon!
Have a great day!
Please note that your query will be processed only if we find it relevant. Rest all requests will be ignored. If you need help with the website, please login to your dashboard and connect to support