by Nasir Abdu
January 12th 2020.

ን39 ዓመታት መኻይን ኣሽከርኪሮም ሓደጋ #ትራፊክ ዘይጎነፎም ወላዲ ! --------- ኣብዛ ሃገር #ሓደጋ ትራፊክ ብርክት ዝበለ ሂወትን ንብረትን ይበልዕ ከም ዘሎ በቢ እዋኑ ብመራኸብቲ ሓፋሽ እንሰምዖ ዘለና መርድእ ዜና እዩ፡፡ እቶም ዘጋጥሙ ዘለዉ ሓደጋታት ትራፊክ ብሰንኪ ጉድለት ብቕዓት ኣወሃህባ ፍቓድ መግንሒ መኻይን፣ ጥዕና ተሽከርከርቲ ብእዋኑ ዘይምምርማር፣ #መስተን #ጫትን ምጥቃም፣ ኣፀጋማይነት መልከኣ ምድርን ካልኦትን ከም ዝኮነ ድማ ብስፍሓት ይዝረብ፡፡ ንሎሚ እምበኣር ን39 ዓመታት ዝተፈላለያ መኻይን ኣሽከርኪሮም ዝኮነ ይኹን ሓደጋ ትራፊክ ኣጋጢምዎም ምስ ዘይፈልጡ ወላዲ ክነላልየኩም፡፡ ኣይተ ኣብርሃ መብራህቱ ይበሃሉ ወዲ 78 ዓመት ነባሪ ከተማ #ዓዲግራት እዮም፤ ኣብ 1971 ዓ/ም ስልጠና ምግናሕ መኪና ወሲዶም ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ኣውራ ጎደና ስራሕ ብምቑፃር ን31 ዓመታት ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ ክዝውሩ ከም ዝፀንሑን ድሕሪ ጥሮታ ድማ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ናይ ግሊ ትካላት መኻይን ብምዝዋር ብድምር ን39 ዓመታት ተሽከርከርቲ እንትገንሑ እዚ ዝበሃል ሓደጋ ከም ዘየጋጠሞም ሓቢሮሙልና እዮም፡፡ ኣነ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙኒ ዘይፈልጥ ምስ ፍቓድ እግዘኣብሄር ስለ ዘይሰቲ፣ ቅድምያ ንኣጋር ተጉዓዝቲ ስለ ዝህብ። ኣብ ከርቭ ልዑል ጥንቃቐ ስለ ዝገብር፣ ዝኮነ ይኹን መነቓቕሒ እፅ ስለ ዘይጥቀም፣ እኹል ድቃስን ዕረፍትን ስለ ዝወስድ፣ ኩነታት ተሽከርከርቲ ጥዕነአን ስለ ዘረጋግፅ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሂወተይ፣ ሂወት ስድራይ ሂወት ተጉዓዝትን ልዑል ክብሪ ሂበ ስለ ዝጎዓዝ ዝነበረ እዩ ክብሉ ገሊፆሙልና፡፡ መብዛሕቲኡ #ሓደጋ ትራፊክ ዘጋጥም ልዕል ኢሎም ንዝገለፅዎም ሓሳባት ኣሽከርከርቲ ኣብ ግምት ስለ ዘይኣእትዉ እዩ ዝብሉ ኣይተ ኣብርሃ ስለ ዝኮነ ገናሕቲ መኻይን ብፍላይ መናእሰይ ልዑል ጥንቓቐ ክገብሩ ይምዕዱ፡፡ ሳላ ዝተጠንቀቕኹ ክወልድ ክዝምድ፣ ሳላ ዝወለድኩ ድማ ደቀይ ንቁም ነገር ኣብቂዐ ፀበቶም ክካፈል በቒዐ ዝብሉ እዞም ወላዲ ሓደጋ ትራፊክ ንምንካይ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ምልዕዓል ተሞክርኦም ንምክፋል ድሌት ከም ዘለዎም ድማ ተዛሪቦሙና እዮም፡፡ #ድወት

View more on Facebook

Search Website

Search

Subscribe

Newsletter

WhatsApp Google Map

Safety and Abuse Reporting

Thanks for being awesome!

We appreciate you contacting us. Our support will get back in touch with you soon!

Have a great day!

Are you sure you want to report abuse against this website?

Please note that your query will be processed only if we find it relevant. Rest all requests will be ignored. If you need help with the website, please login to your dashboard and connect to support